ፉሕ ፉሕ ዝብሉ ግዝያት ናብ Silicon Valley ተመሊሶም ኣለዉ። ማዕረ ማዕረ Highway 101 ዘለዉ ሕዛእትታት ቤት-ጽሕፈት ከምብሓድሽ ብኣርማታት ናይ ተስፋ ዘለወን ጅመራታት ዋኒን ኣጊጾም ኣለዉ። ዋጋታት ክርይ ላዕሊ ይኸዱ ኣለዉ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ጠለብ ናይ ብሉጻት ናይ ዕረፍቲ ኣባይቲ ኣብ ከም ብዓል Lake Tahoe ዝኣመሰላ ናይ ምዝንጋዕ ከተማታት ዝርከቡ ይውስኽ ኣሎ። እቲ Bay Area መበቆል'ቲ ናይ ሓውሲ-ኣመሓላላፊ ኢንዱስትሪ እዩ ነይሩ። እቶም ናቱ ጠቢባን ንብዙሓት እቶም ንዓለም ናብ መጻኢ ዝጠመትት/ኣዝያ ዘበናዊት ኮይና ከምትስምዓካ ዝገብሩ ድንቂ ነገራት ኣቕረቡ፡ ካብ ናይ ዝትንከፍ-ስክሪን ተሌፎናት ክሳብ'ቲ ቅጽበታዊ ፍተሻ ናይ ዓበይቲ ኣብያተ-መጻሕፍቲ ክሳብ'ቲ ንሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣሽሓት ማይላት ርሒቕካ ክተብርር ምኽኣል። ካብ 2010 ጀሚሩ ኣብ ናይ ዋኒን ንጥፈቱ ዳግም ህይወት ምዝርኡ ገስጋስ ኣብ ጒዕዞ ምህላዉ ዘመልክት'ዩ።
ስለዚ ገለ ኣብ Silicon Valley ዘለዉ ሰባት እቲ ቦታ ዛሕቲሉ ኣሎ፡ ከምኡ ድማ እቲ መጠን ሓድሽ ምህዞ ንዓሰርተታት ዓመታት ቀስ ክብል ጸኒሑ ኣሎ፡ ኢሎም ዝሓስቡ ምዃኖም ዘገርም ክኸውን ይኽእል'ዩ። Peter Thiel፡ መስራቲ ናይ PayPal፡ ከምኡ'ውን እቲ ናይ መጀመርታ ግዳማዊ ኣውፋሪ ኣብ Facebook፡ ኣብ ኣመሪካ ሓድሽ ምህዞ "ኣብ መንጎ ኣመና ጸበባን ሞትን እዩ ዘሎ" ይብል። ኣብ ክሎም ዓይነታት ዓውድታት ዘለዉ መሃንድሳት'ውን ብተመሳሳሊ ከምኡ ዘይሕጒሳት እዮም። ውሑድ ግን ክኣ ዝዓቢ ዘሎ ቚጽሪ ዘለዎም ክኢላታት ስነ-ቚጠባ እቲ ቊጠባዊ ጽልዋ ናይቶም ናይ ሎሚ ምህዞታት ምስቶም ናይ ቅድም ክነጻጸሩ ኸለዉ ክሃሱ ምዃኖም ይግምቱ።
[ … ]
ንዂሉ ኣባል ዘሳትፉ፡ ብሕሱር ናይ መመስርሒ ሓይሊ ዝዝወሩ ምህዞታት ይውንጨፉ'ለዉ። ኮምፕዩተራት ባህርያዊ ቋንቋ ክርድኣ ጀሚረን ኣለዋ። ሰባት ንጸወታታት ቪድዮ ብናይ ኣካላት ምንቅስቓስ ጥራይ ይቆጻጸርዎም ኣለዉ—ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ብዙሕ ናይ ዋኒን ዓለም ተግባራውነት ክረክብ ዝኽእል ተክኖሎጂ። ሰለስተ-መዳያዊ ሕትመት ሕልኽላኽነቶም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኲምራ ነገራት ብብዝሒ ከውጽእ ክኢሉ ኣሎ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ከኣ ናብ ናይ ሰብ ኣካሊታትን ካልእ ኣካላዊ ነገራትን ክሰግር ይኽእል'ዩ።
ሓደ ናይ ምህዞ ሕማቕ ትጽቢተኛ ነዚ ከም "ምጥርናቕ ጽባሕ" ኢሉ ክስርዞ ይኽእል'ዩ። ግን ብተክንሊጂ-ዝምራሕ ዕብየት ከየቋረጸ ክቕጽል ኣለዎ ወይ ዘገምታዊ ምንቊልቋል ከርኢ ኣለዎ፡ ኣብ ክንዲ ምቕሃምን ምውሓዝን፡ ዝብል ኣተሓሳስባ ምስ ታሪኽ ዝጋጮ እዩ። ካብ University of Chicago (ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ) ዝኾነ Chad Syverson ኣብቲ ዘበነ ምህዞ ኤለክትሪክ ዕብየት ኣፍራይነት ዘይምዕሩይ እዩ ነይሩ። ዕብየት ኣብ እዋን ኣገደስቲ ኤለክትሪካዊ ምህዞታት ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ከምኡ'ውን ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝሑል ነይሩ፣ ብድሕሪኡ ሰማይ ዓሪጉ።